ድሕረ ባይታ ማመት

ድሕረ ባይታ ማመት

ካብ 1957 ዓ| ም ክሳብ 1964 ዓ| ም
ዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ሃገርና ብ 19 ክፍለ ዘመን ከም ዝተጀመረ ድርሳናት ታሪክ ይሕብሩ ። እዚ ዘመናዊ ትምህርቲ ዘምህሩ ዘምህሩ ዝነበሩ ድማ ናይ ወፃኢ ዜጋታት ከም ዝነበሩ እዩ ። ታሪክ ዝነግረና ድሕሪ ወራር ጣልያን ንመጀመርያ ግዘ ሞያ መምህርነት ምስልጣን ዝተጀመረ ብ1937 ዓ| ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ትምህርቲ ሚሊሊክ 27 ሕፁያት መምህራን ንስልጠና ኣትዮም ንሓደ ዓመት ሰልጠና ትኸታቲሎ 23 መምህራን ተመሪቆም ናብ ቢት ትምህርቲ ተመዲቦም እዞም መምህራን እዚኦምን ሓዊሱ 1615 ዝኣኽሉ ክልተ መሰረታዊ ጭብጢ መበገሲ ብምግባር ሓደ ናይ መራኸቢ መድረኽ ክፈጥሩ ከም ዘለዎም ተኣማሚኖም እዞም ዝስዕቡ መበገሲ ሓሳባት ማለት - ኣብ ኮለጅ ፃንሒቶም ዝነበሮም ምርድዳእ ንምሕዳስ - ፍልጠቶም ኣብ 1ይ ብርኪ መምህርነት ተወሲኑ ከይተርፍ ብምትሕብባር ናይ ምስራሕ ምድላይ ነይሩ በዚ መሰረት ለካቲት 14| 1941 ዓ| ም ብ32መምህራን ቤት ትምህርቲ ሚሊልክ “ናይ ኢትዮጵያ ንጉሰ ነገስት መምህራን ሕብረት “ ብዝብል ተመስሪቱ ። ዳግማይ ብ1950 ዓ| ም ብዝተማሓየሸ ሕገ ደንቢ መፀዊዒ እቲ ማሕበር “ናይ ኢትዮጵያ መምህራን ሕብረት “ ብዝብል ተለዊጡ እዩ ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ መምህራን ሕብረት ግና ዋላ መፀዊዒ እቲ ሕብረት ሃገራዊ ይኹን ኣብ ኩሉ ከበብታት እታ ሃገር ግና መሓዉር አይነበሮን ብዘይካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ሓዊሱ ናይ ምዉዳብ ምንቅስቃስ ከም ዝነበረ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ማሕበር መምህራን ኢትዮጵያ ይሕብሩ እዮም ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣመሰራርታ ማሕበር መምህራን ትግራይ ኸ ከመይ ነይሩ ?
1
ኢልና እንትንሓትት ኣመራርሓ ማሕበር መምህራን ትግራይ ዝነበሩ መምህር ኣብርሃ ኣባይ ከምዚ ይብሉ ብ1957 ዓ| ም ናይ ዓለም መምህራን ኮንፌደረሽን መበል 13 ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካ ክካየድ ሰለ ዝተደለየ በቲ ገዘ ንሱ ቤት ፅሕፈት ዉድብ ሓድነት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምንባሩ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ ተወሲኑ በዚ መሰረት ኣብ ሃገርና ብደረጃ ሃገር ዝተመስረተ ማሕበር ብዘይ ምንባሩ ብንጉስ ነገስት ሃ| ስላሴ ማሕበር መምህራን ክምስረት ነናይ ጠቅላይ ግዛቱ መምርሒ ስለ ዘዉረዱ ናይ ትግራይ ጠቅላይ ግዛት ገዢ ብዝነበሩ ራስ መንገሻ ስዩም ናብ ዝምልከቶ ትእዛዝ ኣዉሪዶም ብ1957 ዓ| ም መረፃ ኣመራርሓ ተኻይዱ ። ሽዉዓተ ፈፀምቲ ፕረዝደንት ፣ ዋና ፀሓፊ ፣ ተሓዚ ገንዘብ ፣ ሒሳብ ሽሙን ሰለስተ ኣባላትን ኮይኖም እንትምረፁ ፕረዝደንት መ| ር ኤፍሬም ሽቋር ዋና ፀሓፊ መ| ር ኣብርሃ ኣባይ ተመሪፆም ኣብ’ቲ መበል 13 ጉባኤ ተሳቲፎም ድሕር’ዚ እዩ ኣፍልጦ ረኺቡ ዝተመስረተ ። ክምስረት ከሎ እዞም ዝስዕቡ ዕላማታት ጌሩ እዩ ተመስሪቱ ። - ናይ መምህራን ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ንምቅላል ። - ናይ ትምህርቲ ድረጃ ንምምሕያሽ ። - ናይ ማሕበራዊ ናብራ ተሳትፎ ንምምሕያሽ ። ብዝብል ሓሳባት እናተንቀሳቐስና እናሃለና መምህር ኤፍሬም ሽቋር ኣብ ዓመቱ ናብ ኣስመራ ስለ ዝተዛወረ ኣነ ፕረዝደንት ማሕበር ኮይነ ክሳብ 1964 ዓ| ም ሰሪሕና ይብሉ መስራትን ኣመራርሓን ማሕበር ዝነበሩ መ| ር ኣብርሃ ኣባይ
1
መስራትን ኣመራርሓን ማሕበር ዝነበሩ መ| ር ኣብርሃ ኣባይ
amTigrigna