መበል 33 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ማምት ትግራይ ተሳሊጡ።

ማሕበር መምህራን ትግራይ መበል 33 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ብዕለት 06|08|2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣሳሊጡ ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ፃኒሒቱ ናይ መምህራን መሰልን ጥቅማ ጥቅምን ፣ ስራሕቲ ትምህርቲ ውዝፍ መሃያ 17 ወርሒ ፣ ኣብ ማሕበር ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ መምህራንን ኣመራርሓ ማሕበር ኣመሰራርታ ኮኮስ ፣ ናይ ማሕበር ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ዘጠናኽሩ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ምይይጥ ተገሩ እዩ ። እቲ ቤት ምኽሪ ብመተሓዳደሪ ደንቢ ብዝተውሃቦ ሓላፊነት መሰረት ናይ 2015 ዓ|ም በጀት ዓመት ኣፈፃፅማ ስራሕ ፣ ናይ ውሽጥን ደገን ኦዲት ሪፖርት ብምቕራብ ምይይጥ ዝተገበረሉ ብዝተመረፁ ኣጀንዳታት ብዝቀረቡ ኣብ መምህራን መሰልን ጥቕማ ጥቕምን ፣ ጉዳይ መንበሪ ገዛ ፣ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ናይ ማመት 2017 ዓ|ም መረፃ ብዝምልከት ናይ ማሕበር ዛዕባታት ምይይጥ ተገይሩሎም እዩ ። በዚ መሰረት ማሕበር ምስቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩነታት ካብ ግዘ ናብ ግዘ ኣብ መሰል መምህራኑ ኣብ ምኽባር ጊዜ ብዝጠልቦ ሕቶኡ ኣጠናኺሩ ኣብ ምቅላስ እናተመሓየሸ ምምፅኡ ብምግንዛብ ብቀፃሊውን ዕላምኡ ንምስኻዕ ዝገብሮም ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ክቅፅል ከምዘለዎ ኣፅንኦት ተዋሂቡ እዩ ። ብፍላይ ኣብ ውዝፍ መሃያ 17 ወርሒ ተተሓሒዙ ማሕበር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብተደጋጋሚ ፃዕሪ ዝገበረ እንትኸውን መንግስቲ ትግራይ ካብ ቃል ዝዘለለ ናብ ተግባር ዝሽረፍ ነገር ከቅምጥ ብዘይምኽኣሉ ቤት ምኽሪ ኣብ ሓደ ወርሒ ቁዋሙ ከፍልጠናጥ ድሕሪኡ ግን ብሕጊ ክሕተት ዝብል ውሳነ ብምሕላፍ ፦

  1. ኩነታት ማሕበርና ብፋይናንሳዊ ዓቕሙ እናተዳኸመ ይመፅእ ከም ዘሎ ግልፂ እዩ ። እዚእውን ናይቲ መምህርና ኣብቲ ማሕበር ዘሎ ርድኢት አይተገበረለይን ዝብል ኣረኣእያ ንድኽመቱ ብዋንነት ዝግለፅ ስለዝኾነ ናይቲ ማሕበር ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ ንኣባላትና ብዕሙቀት ብምርዳእ ነቲ ማሕበር ባዕሉ ዝገብሮ ከይኮነስ ሕቶ ኣባላቱ ንዝምልከቶ ኣካል ናይ ምብፃሕ ስራሕ ኣብ መወዳእታ ጫፍ ዘብፀሐ ከምዝኮነ ንኣባላትና ብዕምቆት ብምርዳእ ኣብ ፅላል ማሕበሩ ንክዓስል ብትረት ክንሰርሕ ምኳና ቃል ንኣቱ ።
  2. ንፍትሓዊ ሕቶ ፍትሓዊ ምላሽ መምህራን ግቡእ መልሲ ክሳብ ዝረክቡ ግቡእ ስራሕና እናሰራሕና ንሕቶና ግቡእ ምላሽ ክሳብ ዝረክብ ሕቶና ኣጠናኺርና ክምንቕፅል ኣጥቢቕና ንገልፅ ።
  3. ኣብ ውዝፍ መሃያ ብዝምልከት ሕቶ መምህራን ግቡእን ሕጋውን ምኳኑ ማንም ክፈልጠልናን ክርደአናን ከም ዘለዎ እናገለፅና ነዚ ግቡእን ሕጋውን ሕቶ መምህራን ዝውሃቡ ዘለው መልስታት ግና ነቲ ሞያን መምህራን ዘይምጥን ፣ ዘይቕኑዕ በብ እዋኑ ኣብ መትከላዊ ዘይኾነ ዕንክሊል ዝበዝሖ መልሲ እንትውሃብ ይስማዕ ኣሎ ። ነዚ ሕቶ መምህራን ምምላስ ድማ ኣብ ቅንዕና ዝተመስረተ ምኽንያታዊ መልሲ ምሃብ ድማ ኣብ ሰራሕትናን ሞያናን ክብሪ ካብ ማሃብ ሓሊፉ ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ናይ ባዕሉ ግደ ክህልዎ ስለዝኽእል ንዝሓተትናዮ ሕቶ ቅልጥፍ ምላሽ ንክወሃቦ ብመንግስቲ ትኹረት ረኺቡ ምስ ዝምልከቶም ብምዃን ብማሕበርና ኣቢልና ብዕቱብ ክንሰርሐሉ ከምዝግባእ ቃል ንኣቱ ።
  4. ውዕሊ ፕሪቶርያ ብቓልስና ዝረኸብናዮ ውዕሊ ምኳኑ ሰላም ፣ ናብራ መምህራን ናብ ዝሐሸ ደረጃ ዘብፅሕ ስለዝኾነ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ፌደራል መንግስቲን ነቲ ውዕሊ ምስ ዘፈራረሙ ማሕበረሰብ ዓለም ብዕቱብ ክሰርሐሉን ዝተመዛበለ / ዝተሰደደ/ መምህራን ናብ መረበቶም ንክምለሱ ቤት ምኽሪ ማሕበር መምህራን ትግራይ እናሐተተ ደገፍና ከም ንገብር ቃል ንኣቱ ። ዝብሉን ካልኦትን በዓል 11 ነጥቢ ቕዋም መግለፂ ብምውፃእ ኣኼቡኡ ዛዚሙ እዩ ።

administrator

1 Comment

ርኢቶ ይሃቡ

ኢ-ፖስታ አድራሻወ ይፋ አይደረግም። መሞላት ያለባቸው መስኮች * ምልክት አላቸው

amTigrigna