ማሕበር መምህራን ትግራይ ኣብ መሰልን ጥቕማ ጥቕሚ መምህራን ኣመልኪቱ ሕቶታቱ ብዝተዋደደን ስርዓት ብዘለዎን መንገዲ ንዝምልከቶ ኣካል እናሓተተ ከም ዝመፀ ይፍለጥ ። ይኹን እምበር ነዞም ብመምህራን ዝለዓሉ ዘለው ሕቶታት ዝምልከቶ ኣካል ንፁርን ግልፅን መልሲ ብዘይምሃቦም መምህራን ብዝተወደበን ብዘይተወደበን መልክዕ ዝተፈለየ ስጉምቲ እናወሰዱ ስለ ዝመፁ ነዚ ፀገም እዚ መልክዕ ንምትሓዝ ማሕበር መምህራን ትግራይ ህፁፅ ናይ ምኽክር መድረኽ ብዕለት 17|04|2016 ዓ|ም ብምስላጥ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ እዩ ። ካብቶም ዝተወሰኑ ውሳነታት ክሳብ ዕለት 15|05|2016 ዓ|ም ነቶም ዝተሓተቱ ሕቶታት ምላሽ ንክወሃብ መልሲ እንድሕር ዝየለ ሰላማዊ ሰልፊ ብደረጃ ትግራይ ክካየድ ተወሲኑ ። ካሊእ ዝተወሰነ ውሳነ ድማ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ምስ ዝምልከቶ ኣካል ፈፃሚት ማመት ክራኸብ ብዝተወሰነ መሰረት ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳን ምስ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ|ር ኪሮስ ጉዕሽን ብዕለት 04|05|2016 ዓ|ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ኩሎም ፈፃሚት ማመት ኣብ ዝተረኸብሉ ዕውት ዘተ ኣካይዱ እዩ ። ብፍላይ ድማ ፦ ናይ 2015 ዓ|ም 5 ወርሒ ውዝፍ መሃያ ናይ 2014 ዓ|ም ናይ 12 ወርሒ ውዝፍ መሃያ ናይ ማይክሮ ፋይናስ ውዝፍ ወለድ ልቋሕ ጉዳይ ትራንስፖርት ሰርቪስ መምህራን ከተማ መቐለ ብምዝታይ ብፍላይ ኣብ ኣከፋፍላ ውዝፍ መሃያ ናይ 2015 ዓ|ም ናይ 5 ወርሒ መሃያ ኣብ ሓፂር እዋን ክፍሊት ከም ዝጅመር ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ ። ካሊእ ናይ 2014 ዓ|ም ናይ 12 ወርሒ ውዝፍ መሃያ ዝምልከት ድማ ንፌደራል መንግስቲ ሕቶ ይቐርብ ከምዘሎ ተገሊፁ እዩ ። ናይ ማይህሮ ፋይናስ ልቋሕ ውዝፍ ወለድ ዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ከም ዘካይዱ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም እዮም ። ናይ ከተማ መቐለ ትራንስፖርት |ሰርቪስ| ግልጋሎት ዝምልከት ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንዝምልከቶም መምርሒ ከም ዘውረዱ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝፍታሕ ገሊፆም እዮም ። ብሓፈሻ እንትረአ እዚ ዘተ ዕውት ዘተ ከም ዝነበረን ቐፃላይ ዘተ ከምዝግበር ብምሕባር መምህራን ተረጋጊዖም ስረሖም ክሰርሑ ከምዘለዎምን ተምሃሮ ትምህርቲ ክዕፀው ከምዘይብሎምን ትምህርቲ ካብ ምዕፃው የብልናይ እምበር ፋብሪካታት ተዝዕፀዩ ይሐይስ ተምሃሮ ካብ ክዕፀዩ ኢሎም ። ኣይተ ተጌታቸው ረዳ ማሕበር መምህራን እውን ዝተውሃበ ቃል ኣብ ተግባር ከምዝውዕል ዘለዎም እምነት ብምግላፅ ዘተኦም ዛዚሞም ።
5 months of 2015 salary arrears
2014 12 months salary arrears
Microfinance deferred interest loans
Discussing the issue of transportation service of teachers in Mekelle city
It was agreed that the payment of the 5 months salary of 2015 will start soon. Another 12-month salary arrears for 2014 is being requested by the federal government.
President Getachew Reda said he will hold discussions with relevant authorities regarding the arrears of interest on the loan.
City of Mekelle Transportation |Service| Regarding the services, he said that President Getachew Reda will issue directives to the concerned authorities soon. Overall, the discussion was a successful discussion and further discussions will be held, he said, adding that teachers should calm down and do their jobs. Mr. Tegetachew Reda
The teachers’ association also expressed confidence that the promises made will be implemented.