ማ.መ.ት ንመምህራን፣ ሰብ ሞያ ትምህርትን ሰራሕተኛታትን ብምጥርናፍን ይውክልን፣ ፍትሓውን ጽሬት ዘለዎን ትምህርቲ ንምድንፋዕ፣ መሰላት ኣባላት ንምሕላው፣ ከምኡ’ውን ምስ ዕቤት፣ ምስግጋርን ዕድላት ትምህርትን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ንምፍታሕ
ኣብ ትግራይ ትካላት ትምህርቲ ዘምህሩ /ዝሰርሑ/ ሰራሕተኛታት መምህራንን ሰብሞያ ትምህርትን ብፖለቲካ፣ ብዘርኢ፣ ብዓሌት፣ ብከባቢያዊነት ፣ ብፆታ ወዘተ ኣፈላላይ ከይተገበረ ኣብ ሙያ ማሕበር ንክውደቡ ብምግባር ጠንካራ ሕብረት ክህሉ ይገብር፡፡
መሰልን ጥቕምን ኣባላት ንምኽባር ማለት ኣብ ዕብየት ፣ ዝውውር፣ ዲሲፕሊን፣ ዕድል ትምህርትን ወዘተ … ከምኡ እውን ኣባላትን ትምህርትን ብዝምልክቱ ጉዳያት ምስ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ቢሮ ዓቕሚ ህንፀት /ስቪል ሰርቪስ ኮሚሽን/ መንግስታዊ ይኹን ዘይመንግስታዊ ትካላት ዓለም ለኸ ትካላትን ነቲ ማሕበር ብምውካል ይሰርሕ፡፡
መሰልን ጥቕምን ኣባላት ንምኽባር ዝወፁ ሕግታት፣ ደንብን ፣ መምርሕታት ወዘተ ብትክክል ኣብ ተግባር ክትርጎሙ ይከታተል፣ በቢ ደረጅኡ ዝተዋቐሩ ማሕበር /ኣመራርሓ ኣካላት/ በቲ ሕጊ መሰረት ንዝገብርዎ ፃዕሪ ኣድላይ ክትትልን ሓገዝ ይገብር፡፡
ካብ ቤት ትም/ቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዋት ኣመራርሓ ዘለዉ ናይ ትምህርቲ ኣመራርሓን ምምሕዳር ዲሞክራሲያዊ ኣመራርሓን ኣሰራርሓ ከዕብዩ ምውዳድ ብዘለዋ መልክዑ ናይ ስራሕ ምንቅስቃስ ይገብር፡፡ ናይ መምህራንን ማሕበርን ተዳትፎ ብዘዕግብ ኩነታት ክጠናከር ይገብር፡፡
ዕድምኦም ንትምህርቲ ዝበፅሑ ህፃናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኣትውን ጉልበቶም ከይብዝበዙ ብፅሒቱ ይዋፃእ፡፡
ንትምህርቲ ስራሕ ውፅኢታዊነት ናይ ተምሃሮ ትምህርቲ ኣቀባብላ ኩነታት ክትትል ይገብር፣
ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕን ንምምሕያሽን ዝግበሩ ፃዕርታት ማሕበር ብምውካል ርኢቶ የቕርብ፡፡
ዝተፈላለዩ መገምገሚ መድረኻት ብምድላው በብብርኩ ዝእከቡ ኣባል ማሕበራትን ኣመራርሓ ኣባላትን ብፈፃሚት ኮሚቴ ፣ ብቤት ምኽሪ ብሓፈሻዊ ጉባኤ ወይ ከዓ ብኣባላት የገምግምን ይግምገምን፡፡
ኩነታት ስራሕ መምህርነት መምህር ሓላፍነቶም ብኣግባ ክዋፅኡ ዝገብሩ ምዃኖም ይከታተል፣ ክመሓየሽ ዝግበኦም ጉዳያት እንተሃሊዮም ኣድላይ ኩሉ ይገብር፡፡
ፅርየት ዘለዋን ደረጅኡ ዝሓለወ ትምህርቲ ክወሃብ ብፅሒቱ ይዋፃእን ይቃለስ
ናይ ማሕበር ኣባላት ኣብ ምምሃር ስራሕን ብሞየኦም ውፅኢታዊ ክኾኑ ግዴተኦም ክዋፅኡ የተሓባብር፣ ኣባላት ብትምህርትን ኣብ ዙርያ ማሕበር የመያይጥ፡፡
ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ፆታዊ ፀገም ንምቕራፍ ይቃለስ፡፡